• Can we fight misinformation without threatening our freedom of speech? - SBS Examines: ናይ ምዝራብ ናጽነትና ኣብ ሓደጋ ከየእተና ግጉይ ሓበሬታ ከይዝርጋሕ ክንቃለሶ ንኽእል ዲና?
    Sep 12 2024
    There are calls to crack down on the sharing of misinformation online. But would this be an attack on free speech? - ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ወይ ኦንላይን ምዝርጋሕን ምክፋልን ክኽልከል መጸዋዕታታት ይቐርቡ'ለዉ። እዚ ግን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ምዝራብ ይኸውን ዶ፧
    Show more Show less
    9 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2024)
    Sep 12 2024
    ንሎሚ ሓሙስ 12 መስከረም 2024/ ወይ 2 መስከረም 2017 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መንጐ ሰበስልጣን ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ርክባት ኣመልኪቱ ንፈለማ ግዜ ተዛሪቡ። ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ ክግለጽ ቀንዩ ብዙሓት ድማ ኣድናቖቶምን ሓዘኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ንገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈነወን ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ድምጻውያን ኣሕመድ ዓብደልርሒም ስዒድ ዓብደላ ከምኡውን ደራሲ መጽሓፍ ኢብራሂም ሓጅ ብዛዕባ ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደልርሒም ስምዒቶም ኣካፊሎሙና ኣለዉ። ስነ ኮኾብ ደቀባት ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መልበርን ኣብ ጥቃ ኤክስፖ ምክልኻልን ኣጽዋርን ብዝተኻየደ ሓያል ተቓውሞ ብውሑዱ 39 ሰባት ተኣሲሮም ኣለው ። ኣብ Blue Mountains ዝርከብ ቤት ክልተ ኣወዳት ፡ ብሰሉስ ኣቦኦም ተቐቲሎም ድሕሪ ምርካቦም ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ሓዘን ይርከብ ። በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ።
    Show more Show less
    54 mins
  • #70 Talking over a BBQ (Med) - ዕላል ኣብ ባርቢኲ (BBQ)፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ
    Sep 12 2024
    Learn how to describe cooking at a barbecue. - Learn how to describe cooking at a barbecue.
    Show more Show less
    11 mins
  • ዕለታውዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መስከረም 2024)
    Sep 12 2024
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መልበርን ኣብ ጥቃ ኤክስፖ ምክልኻልን ኣጽዋርን ብዝተኻየደ ሓያል ተቓውሞ ብውሑዱ 39 ሰባት ተኣሲሮም ኣለው ። ኣብ Blue Mountains ዝርከብ ቤት ክልተ ኣወዳት ፡ ብሰሉስ ኣቦኦም ተቐቲሎም ድሕሪ ምርካቦም ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ሓዘን ይርከብ ። በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ።
    Show more Show less
    16 mins
  • ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። (ጸብጻብ)
    Sep 11 2024
    በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ጽምብል ተኸቢሩ። " ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና ሓራ ብምውፃእ ዕማም ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክኸውን እዩ።" ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን "ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክድንፍዕን ብህጹጽ መሊኡ ክትግበርን ተሰማሚዖም ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መገዲ ክውድኡ ዋና ዳይሪክቶር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶከተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዑ። ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልኣብ መንጐ ሰበስልጣን ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ርክባት ኣመልኪቱ ንፈለማ ግዜ ተዛሪቡ።
    Show more Show less
    7 mins
  • ስነ ኮኾብ ደቀባት (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    Sep 11 2024
    ኣብ ትሕቲ ዘብለጭልጩ ከዋኽብቲ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ዘይቁጸረሉ ዑደታት ወርሒ ፡ ባህልን ህላወን ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ፡ ኣሽሓት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ ። ብዛዕባ ፍልጠት ስነ ኰዀብ ንህይወትን ሕግን ቀዳሞት ሰባት ጸልይዎ እዩ ። ካብቲ ዘደንቕ ጋላክሲ ክሳዕ መትዮራይት ጋላክሲ: ከምኡውን ካብ እተፈላለየ መድረኻት ዓውደ ወርሒ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ስነ-ኰዀብን ብዛዕባ ኰዀብን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና ።
    Show more Show less
    11 mins
  • "ፕ/ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰብ መዚ ኤርትራ ክራከብ ጸኒሑ'ዩ፡" ኣቦ መንበር ህውሓት ዶ/ር ደብረጽዮን። (ዜናታት 11 መስከረም 2024)
    Sep 11 2024
    ኣቦ ወምበር ዉድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኽዕነ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ፕረሲደንት ግ/ምም/ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ክዘራረብ ከምዝጸንሐ ኣቃሊዑ። ኣብ መልበርን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመት እታ ከተማ ዘይረኣየቶ ዝዓበየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይግበር ኣሎ ። ኢራን ንሩስያ ኣብ ዩክረይን ክትጥቀመላ እትኽእል ባለስቲክ ሚሳይላት ትልእኽ ኣላ ብምባል ፡ እንግሊዝ ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕቀብ ኣጽኒዐን ።
    Show more Show less
    6 mins
  • "ዑስማን ብዜማታቱ ጥራይ ዘይኮነ ብለውሃቱ ውን'ዩ ዝልለ።" ስምዒታት ስነጥበባውያን ብዛዕባ ዑስማን ዓብደልርሒም
    Sep 10 2024
    ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ ክግለጽ ቀንዩ ብዙሓት ድማ ኣድናቖቶምን ሓዘኖምን ይገልጹ ኣለዉ። ንገለ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈነወን ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ድምጻውያን ኣሕመድ ዓብደልርሒም ስዒድ ዓብደላ ከምኡውን ደራሲ መጽሓፍ ኢብራሂም ሓጅ ብዛዕባ ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደልርሒም ስምዒቶም ኣካፊሎሙና ኣለዉ።
    Show more Show less
    17 mins